Search  
   

TEWAHDO-MESERET   YONAS BEREKET   ተዋህዶ መሰረት    ዮናስ በረኸት 
        

Default  |  English (United Kingdom)  |  


To join the mailing list enter your e-mail address:
 Send



Click here to edit text Click here to edit text Click here to edit text Click here to edit text Click here to edit text Click here to edit text Click here to edit text
በገናይ የልዕል ኣለኹ
በገናይ የልዕል ኣለኹ ኣሰንዩ ዝተረፈ
ከበሮ ጸናጽል እምብልትታ ብቕኔ ማህሌት ውዳሴ
ክዝምረሉ ንእግዚኣብሔር ብሓድሽ መዝሙር ምስጋና
ከናድዮ ኽጽውዕ ስሙ ኣይርብርብን ኢየ ጌና
...
ተላዒለ ክውርውር ድምጺ ምስጋና ከናፍረይ አፈልፊለ
ተላዒለ ልሳነይ ትምስክር ኣላ ምድሓኑ ርእየ ዓጊበ
ተላዒለ እግረይ ናብ ቅዱስ ምቕደስካ እነኹ ኣንጊሀ እግስግስ
ተላዒለ ከም ብርቱዕ ጋላቢ ፈረስ ብምስጋና ይመላለስ

ንዑ ንሕበር ንምስጋና ንዑ ንሕበር ንውዳሴ
ንዑ ንሕበር ንኣምልኾ ንዑ ንሕበር ኣብ ጉባኤ

በገናይ የልዕል ኣለኹ ኣሰንዩ ዝተረፈ
ከበሮ ጸናጽል እምብልትታ ብቕኔ ማህሌት ውዳሴ
ክዝምረሉ ንእግዚኣብሔር ብሓድሽ መዝሙር ምስጋና
ከናድዮ ኽጽውዕ ስሙ ኣይርብርብን ኢየ ጌና

ክዝምር’የ ሕይወተይ ኣብ ፍቕሩ የንሳፍፍ ልበይ ፍጹም ተመሲጡ
ክዝምር’የ ትእዛዙ ሓጎስ ሂቡኒ ምንባረይ ምስኡ ጢዒሙ
ክዝምር’የ ውሽጠይ ሰላም መሊእዎ ብጸጋ ዓቢ ሕይወተይ
ክዝምር’የ ዘለዓለም ክኸውን ናቱ ፍቕሩ ፍቕሪ ኣሕዲሩለይ

ንዑ ንሕበር ንምስጋና ንዑ ንሕበር ንውዳሴ
ንዑ ንሕበር ንኣምልኾ ንዑ ንሕበር ኣብ ጉባኤ

በገናይ የልዕል ኣለኹ ኣሰንዩ ዝተረፈ
ከበሮ ጸናጽል እምብልትታ ብቕኔ ማህሌት ውዳሴ
ክዝምረሉ ንእግዚኣብሔር ብሓድሽ መዝሙር ምስጋና
ከናድዮ ኽጽውዕ ስሙ ኣይርብርብን ኢየ ጌና

ከመስግን’የ ክስለፍ ቆይመ ንኽብሩ ምስኡ ኽነብር ጸኒዐ
ከመስግን’የ ብሳህሉ ኣሳልዩኒ ብእኡ ደው ክብል ብቒዐ
ከመስግን’የ በገናይ ከልዕል ክቓኒ ክዝክር ዓቢ ውዕለቱ
ከመስግን’የ ካብ ውሽጢ ልበይ ዝወጸ ምስጋናይ ክበዝሕ ኢዩ

ንዑ ንሕበር ንምስጋና ንዑ ንሕበር ንውዳሴ
ንዑ ንሕበር ንኣምልኾ ንዑ ንሕበር ኣብ ጉባኤ

በገናይ የልዕል ኣለኹ ኣሰንዩ ዝተረፈ
ከበሮ ጸናጽል እምብልትታ ብቕኔ ማህሌት ውዳሴ
ክዝምረሉ ንእግዚኣብሔር ብሓድሽ መዝሙር ምስጋና
ከናድዮ ኽጽውዕ ስሙ ኣይርብርብን ኢየ ጌና 
 
yonas bereket