በስመ ኣብ ወወልድወመንፈስቅዱስኣኃዱኣምላክኣሜ
ኣርእስቲ
መዝሙር እንታይማለትእዩ።
ዜማወይመዝሙር ኣብ ቤተ እግዚኣብሔር ። ካብ ዘመነ ብሉይ ኣትሒዙ መገለጺ ስርዓት ኣምልኾ ኣምላኽ ኮዩኑ የገልግሉ ዝነበረ መነፈሳዊ ስነ ጥበብ ኢዩ ።(2ዜና መዋ 5።12-19 ። ቆላ 3።16, ኤፌ 5።19,)፣
መዝሙር (ዜማ) ዝብል ቃል ንባዕሉ ምስ ቃንቃታት ዕብራይስጥንኣራማይስጥን ዝተተሓሓዘ ስምን ድምጺ ቃና። ደሃይ ጎረሮ ዘስምዕ ትርጉም ኣለዎ፣
መዝሙር(ዜማ) ።- ትርጉሙ ። ምምስጋን።ምልማንወይ ከኣ ብእግዚኣብሔር ደስ ኢሉካ ብዜማ ምምሕጻንን።ዝቕደሰሉን እዩ፣መዝሙር እቲ ናይ ባህርይ ኣምላኽ እግዚኣብሔር ኣብ ሰማይን ምድርን ዝምስገነንሉ፣ዝቅደሰሉን ናይ ጸሎት ክፍሊ ጣዕማ ዜማ ኣዩ። ነቢየ እግዚኣብሔር ኣቦና ቅዱስ ዳዊት(ሊቢ ኣምላኽ) ኣብ መጽሓፉ <<ኣብ ኩሉ ምድሪ ዘለኹም ህዝቢ ንኣምላኽ እልል በሉሉ።ንክብሪ ስሙ ዘምሩ ልዑል ምስጋና ከኣ ሃብዎ። ንኣምላኽ ከኣ ግብርታትካ ክንደይ ዘገርም እዩ፣ስልጣንካ ዓቢይ እዩ፣በዚ ድማ ጸላእትካ ብፍርሓት ይሰግዱልካ ። ኣብምድሪ ዘለዉ ኩሎም ይሰግዱልካ፣ይዝምሩልካ ንስምካ መዝሙር ምስጋን ይዝምሩልካ በልዎ>>ይብልዎ።ከምኡ‘ውን ኣብ (ራኣ.ዮሓ15;4) ኣታ ኩሉ እትኽእል እግዚኣብሔር ኣምላኽ ግብርኻ ዓቢይን ግሩምን እዩ እናበሉ ከም ዝዝምሩሉ ይገልጽ።ስለዚ መዝሙር ንእግዚኣብሔር ተመሲጥካ ንምምስጋን።ንምቕዳስ።ልባዊ ጸሎት ንምቅራብን መንፈስ ንምሕዳስን ከምኡ ውን ንምክርን ተክሳጽን ።ንጽንዓትን ምጽንናዕን ይጠቅመና፣ነቢየ እግዚኣብሔር ሙሴ ብናይ እግዚኣብሔር ስልጣን ንእስራኤላዊያን ሒኡ ካብ ባርነት ግብጺ ኣብ ዝወጻሉ እዋን ማርያም ሓፍቲ ሙሴ ከበሮ ሒዛከም ዝዘመረት ኣብ (ዘጸ15።20) የረደእ፣