Search  
   

TEWAHDO-MESERET   YONAS BEREKET   ተዋህዶ መሰረት    ዮናስ በረኸት 
        

Default  |  English (United Kingdom)  |  


To join the mailing list enter your e-mail address:
 Send



Home >> መንፈሳዊ መዛሙር
በስመ  ኣብ  ወወልድወመንፈስቅዱስኣኃዱኣምላክኣሜ  
ኣርእስቲ
መዝሙር  እንታይማለትእዩ።
           ዜማወይመዝሙር   ኣብ ቤተ እግዚኣብሔር ። ካብ ዘመነ ብሉይ ኣትሒዙ መገለጺ ስርዓት ኣምልኾ ኣምላኽ ኮዩኑ የገልግሉ ዝነበረ መነፈሳዊ ስነ ጥበብ ኢዩ ።(2ዜና መዋ 5።12-19 ። ቆላ 3።16, ኤፌ 5።19,)፣
መዝሙር (ዜማ) ዝብል ቃል ንባዕሉ ምስ ቃንቃታት ዕብራይስጥንኣራማይስጥን ዝተተሓሓዘ ስምን ድምጺ ቃና። ደሃይ ጎረሮ ዘስምዕ ትርጉም ኣለዎ፣
          መዝሙር(ዜማ) ።- ትርጉሙ ። ምምስጋንምልማንወይ ከኣ ብእግዚኣብሔር ደስ ኢሉካ ብዜማ ምምሕጻንን።ዝቕደሰሉን እዩ፣መዝሙር እቲ ናይ ባህርይ ኣምላኽ እግዚኣብሔር ኣብ ሰማይን ምድርን ዝምስገነንሉ፣ዝቅደሰሉን ናይ ጸሎት ክፍሊ ጣዕማ ዜማ ኣዩ። ነቢየ እግዚኣብሔር ኣቦና ቅዱስ ዳዊት(ሊቢ ኣምላኽ) ኣብ መጽሓፉ <<ኣብ ኩሉ ምድሪ ዘለኹም ህዝቢ  ንኣምላኽ እልል በሉሉ።ንክብሪ ስሙ  ዘምሩ ልዑል ምስጋና ከኣ ሃብዎ። ንኣምላኽ ከኣ ግብርታትካ ክንደይ ዘገርም እዩ፣ስልጣንካ ዓቢይ እዩ፣በዚ ድማ ጸላእትካ ብፍርሓት ይሰግዱልካ ። ኣብምድሪ ዘለዉ ኩሎም ይሰግዱልካ፣ይዝምሩልካ ንስምካ መዝሙር ምስጋን ይዝምሩልካ በልዎ>>ይብልዎ።ከምኡ‘ውን ኣብ (ራኣ.ዮሓ15;4) ኣታ ኩሉ እትኽእል እግዚኣብሔር ኣምላኽ ግብርኻ ዓቢይን ግሩምን እዩ እናበሉ ከም ዝዝምሩሉ ይገልጽ።ስለዚ መዝሙር ንእግዚኣብሔር ተመሲጥካ ንምምስጋን።ንምቕዳስ።ልባዊ ጸሎት ንምቅራብን መንፈስ ንምሕዳስን ከምኡ ውን ንምክርን ተክሳጽን ።ንጽንዓትን ምጽንናዕን ይጠቅመና፣ነቢየ እግዚኣብሔር ሙሴ ብናይ እግዚኣብሔር ስልጣን ንእስራኤላዊያን ሒኡ ካብ ባርነት ግብጺ ኣብ ዝወጻሉ እዋን ማርያም ሓፍቲ ሙሴ ከበሮ ሒዛከም ዝዘመረት ኣብ (ዘጸ15።20) የረደእ፣ 
 
yonas bereket