Search  
   

TEWAHDO-MESERET   YONAS BEREKET   ተዋህዶ መሰረት    ዮናስ በረኸት 
        

Default  |  English (United Kingdom)  |  


To join the mailing list enter your e-mail address:
 Send



Home >> ጸሎት ዘዘውትር
        በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!! 
 
ብሓደ ኣምላኽ ብኣብ ብወልድ ብመንፈስ ቑዱስ ብቕድስተ ስላሴ እና ኣመንኩን እናተማሕጸንኩን አብ ቕድሚ እዛ ኣደይ ዝኾነት ቕድስቲ ቤተ ክርስትያን ሰይጣን  እኽሕደካ  አለኹ ንሳ`ውን ናይዘልኣለም ኣለም ጸግዐይን ምስክረይን ዝኾነት ማርያም እያ  ኣሜን !!!  

ነአኩተከ
 ኦ ጎይታነመስግነካን ነኽብረካን ኣሎና፣ ኦ ጎይታኣሚናንግዝኣካ ኣለና፣ ንቅዱስ ስምካዉን ንግዛእ ኣለና፣ ናይ ኩሉ ብርኪ ዝሰግደልካ ናይ ኩሉ ልሳን ዝግዛኣልካ ጎይታንሰግደልካ ኣሎና፣ ናይ ኣማልኽት ኣምላኽ ንስኻ ኢኻ፣ ናይ ጎይቶት ጎይታ ናይ ነገስታት ንጉስ ንስኻ ኢኻ፣ ናይ ኩሉ ስጋን ናይ ኩላ ነፍስን ኣምላኽ ንስኻ ኢኻ፣ ኩቡርን ምስጉንን ወድኻን ንስኻትኹምሲ ክትጽልዩ ከለኹም ከምዚ በሉ እናበለ ከምዝማሃረና ከምዚ ኢልና ንጽውዓካ ኣለና። 
ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና 
 ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ስምካ ይቀደስ
  መንግስትኻ ትምጻእ፣ ፈቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማያት ከምኡ’ውን ኣብ ምድሪ ይኹን፣ናይዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና ንሕና ንዝበደሉና በደሎም ከምዝሓደግናሎም በደልና ሕደገልና ካብ ኩፉእ ኣድሕነና እምበር ኣብ ፈተና ኣይትእትወና መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘልኣለም ናትካ እዩ እሞ ኣሜን። 

ብናይ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ሰላምታ                     
     ኦ! እግዝእትነ ማርያም ብናይ ቑዱስ ገብሪኤል መልኣኽ ሰላምታ ስላም ይብለኺ። ብሕልናኺ ድንግል ኢኺ : ብስጋኺ'ውን ድንግል ኢኺ፣ ኣደ እግዚኣብሔር ጻባዖት (ጎይታ ሰራዊት ) ሰላም ይብለኪ ኣሎኹ። 
 ንስኺ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ  ኢኺ። ፍረ ከርስኺ'ውን ብሩኽ እዩ፣ ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚኣብሔር ምስኺ እዩ። ኦ ፍስህት ደስ ይበልኪ ሓጥያትና ክስረየልና ናብ ፍቑር ወድኺ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ምሕረት  ለምንልና ኣሜን ፣ 


ናይ ሃይማኖት ጸሎት

ንኹሉ ብዝሓዘ ሰማይን ምድርን ዝረአን ዘይረአን ብዝፈጠረ ብሓደ ኣምላኽ እግዝአብሔር ኣብ ንኣምን። ብሓደ ጎይታ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዓለም ከይተፈጥረት ምስኡ ህሉው ብዝኾነ ወልድ ኣብ ዋሕድ’ውን ንኣምን። ካብ ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን፣ ካብ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝተረኽበ ሓቀኛ ኣምላኽ፣ ዝተወልደ እንበር ፍጡር ዘይኮነ፣ ብመለኮቱ ምስ ኣብ ማዕረ ዝኾነ፣ ኩሉ ብእኡ ዝተፈጥረ፣ ብዘይካኡ ግና ኣብዚ ምድሪ ዘሎ ይኹን ወይስ ኣብ ሰማይ ዘሎ ምንም ዝተፈጥረ የልቦን። ምእንታና ምእንቲ ሰብ ምእንቲ ምድሓንና ካብ ሰማያት ዝወረደ፣ ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ስጋ ለቢሱ ሰብ ኮነ። ሰብ ኮይኑ ድማ ብዘመን ጴንጤናዊ ጲላጦስ ምእንታና ተሰቅለ፣ መከራ መስቀል ተቀበለ፣ ሞተ ተቐብረ። ኣብ ቁዱሳት መጻሕፍቲ ከምዝተጻሕፈ፣ ኣብ ሳልሳይ ማእልቲ ካብምዉታን ተፈልዩ ተንሰአ:: 
ብኽብሪ ናብ ሰማያት ዓረገ ኣብ የማን ኣቡኡ ተቐመጠ። ከም ብሓድሽ ድማ ንህያዋንን ንምውታንን ክፈርድ ብኽብሪ ክመጽእ እዩ። ንመንግስቱ መወዳእታ የብሉን። 

  ቅዱስ ቕዱስ

  ቕዱስ ቕዱስ ቕዱስ ኣሸናፊ ጻብኦት እግዚኣብሔር: ናይ ጎይትነትካ ምስጋና :ፈጺሙ ሰማይን ምድርን ዝመልአ  እዩ፡፡ ኦ! ክርስቶስ መጺኻ ኣድሒንካና  ኢኻ'ሞ  ምስማሓርን ሰማያዊ ኣቦኻ : ማህያዊ ምስ ዝኾነ ቕዱስ መንፈስካ : ንሰግደልካኣሎና ::  
ንኣብንወልድንመንፈስቕዱስ 

ንወልድንመንፈስቕዱስ: ሓንቲስግደትእሰግድ(3ግዜ) : ሓደእንከለዉሰልስተሰለስተእንከለዉሓደዝኾኑ: ብኣካላትሰለስተ  ብመለኮትሓደ  እዮም ፡፡ኣምላኽንዝወለደት:ብስጋንብነፍስንንጽህቲንዝኾነት  ንእግዝእቕድስቲ  ድንግልማርያም  እሰግድዓለምንምድሓንእየሱስክርስቶስንዝተሰቕለሉመስቐልእሰግድ: መስቐልሓይልናእዩ-መስቐልጽንዓትና  እዩ: መስቐልቤዛውናእዩ-መስቐልመድሓኒነፍስናእዩ: ኣይሁድክሓድዎንሕናግናኣመናዮ: ዝኣመናዮንሕናድማብናይመስቐሉሓይሊድሓናኣሜን!!!
           
            
                ጸሎት ምስጋና  ( ስብሓት ለኣብ )
    ንኣብምስጋናይግባእ-ንወልድምስጋናይግባእ-ንመንፈስቕዱስምስጋናይግባእ(3ግዜ) ኣምላኽንዝወለደት ነዴና  ንቕድስትድንግልማርያምምስጋናይግባእ:ንናይ
                                                                 ተቐባሊ
ንእየሱስክርስቶስመስቐልምስጋናይግባእ………አሜን
ክርስቶስምሕረቱየውርደላና:…………………..አሜን
ዳግማይምስ መጸከየሕፍረና: ………………….አሜን
ስሙንምምስጋን  የንቅሓና: ……………………አሜን
ንዑኡከንምልኽየጽንዓና: ……………………..አሜን
ኣዴናማርያምጸሎትናየዕርግልና: ………………አሜን
ሓጥያትና አስተስርይልና ……………………………………………..አሜን
ኣብቕድሚጎይታናጸሎትናየዕርግልና: …………አሜን
ነዚጽዋእዚዘስተየና…………...ምሕረቱ ንዘልኣለም  እዩ .
ነዚሕብስቲእዚንዘብልዓና……..ምሕረቱ ንዘልኣለም  እዩ .
መግብናንክዳናንንዘዳለወልናን…………ምሕረቱ ንዘልኣለም  እዩ .
ሓጥያትናኩሉንዝደምሰሰልና…………..ምሕረቱ ንዘልኣለም  እዩ .
ክቡርደሙንቕዱስስጉኡንንዝሃበና……..ምሕረቱ ንዘልኣለም  እዩ .
ክሳብእዛሳዓትእዚኣንዘብጻሓና………...ምሕረቱ ንዘልኣለም  እዩ .
ንዕኡንልዑልእግዚኣብሔርፍጹምምስጋናይግባእ  አሜን .
ንወላዲቱቕድስቲድንግልማርያም  ምስጋናይግባእ  አሜን
ንክቡርመስቐሉምስጋናይግባእ  አሜን
ስምእግዚኣብሔር ፍጹምእናመስገና--ኩሉሳዕ  በቢግዝኡን  ሰዓቱን  ምስጋናይግባእኣሜን::
              ሰላምንዓኺ
እናሰገድናንዓኺሰላምታይግባእንብል: ኣዴናማርያም   ካብሃዳናይኣራዊት  ድያብሎስከተድሕንና
ንልምነኪ: ናባኺ ክኣ ንምዕቖብ ፡ ምእንቲአዴኺቕድስቲሃናምእንቲአቦኺቑዱስእያቄምኢልኪ:
! ድንግልሎሚነዚማሕበርናባርኺ
! ድንግልሎሚንጽሎንታ  ባርኺ
! ድንግልሎሚንስደትናባርኺ

           ጸሎትእግዝእትነማርያም
ማርያምድማኸምዚበለት: ነፍሰይንእግዚኣብሔርተዕብዮመንፈሰይክኣብኣምላኸይበቲመድሐኒየይባህይብላ: ውርደትባሪኡሪኡ'እዩእሞ: እንሆካብሕጂኩሎምወለዶብጽእቲኪብሉኒእዮም: እቲኩሉዝኽእልዓበይቲነገራትገሩለይእዩ'ስሙቕዱስእዩ:ምሕረቱአብቶም  ዝፈርሑዎንውሉድወለዶእዩ:: ብቕልጽሙ  ስልጣን ሓይሊገበረ:ንዕቡያትሓሳብልቦምበተነሎም:ንሓያላትካብዝፋውንቶምኣውረዶም: ንዝተዋረዱልዕልአበሎም:ንጥሙያትካብ በረኸቱኣጽገቦም:ንሃብታማትክኣጥራይእዶምሰደዶም:ከምቲነቦታትናንኣብራሃምንዘርኡንዝነገሮምንዘልኣለምምሕረቱእናዘከረንእስራኤልባሪኡተቐበለ: አሜን:: 


 




















 
 

 መልክአ እየሱስ
 መልክአ ማሪያም
 ኣንቀጸ ብርሃን
 ይወድስዋ መላእክት
 ውዳሰ ማሪያም
 ጸሎት ዘዘውትር
yonas bereket